ስዊድን ንስትራቴጂ ሓለዋ ጥንዕና ስነ-ተዋልዶ ኣፍሪካ ዝውዕል ልዕሊ 50 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቓ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ስዊድን ንስትራቴጂ ሓለዋ ጥንዕና ስነ-ተዋልዶ ኣፍሪካ ዝውዕል ልዕሊ 50 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ኣፅዲቑ።

መንግስቲ ስዊድን፥ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2022 ክሳብ 2026 ዝሳለጥ ስትራቴጂ ሓለዋ ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ምክልኻል ግህሰት ፆታን ዝሕግዝ ሓዱሽ ስትራቴጂ ሓንፂፁ ኢዩ።

ብምዃኑ እውን መንግስቲ እታ ሃገር ንተበፃሕነት እቲ ስትራቴጂን ኣብቲ ዓውዲ ንዝስርሑ ስራሕቲ ተወሳኺ 500 ሚሊየን መተዓዳደጊ ገንዘብ ስዊድን (ክሮና) ወይ እውን ልዕሊ 50 ሚሊየን 735 ሺሕ ዶላር ሓገዝ ምፅዳቑ ተገሊፁ።

እቲ ሕዚ ዝፀደቐ ሓገዝ መንግስቲ ስዊድን ንዘሳልጦም ተግባራት ሓለዋ ሰብ ኣዊ መሰላት ከምዝሕግዝ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment