ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ትካል ቃል ኪዳን ጦር ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) እንተተፀምቢረን ንሩሲያ ኣየስጋኣን ክብሉ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሜር ፑቲን ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ፑቲን እዚ ዝበሉ፥ ንመራሕቲ ኣባል ሃገራት ኣብ ሞስኮ ናይ ዝርከብ ሓበራዊ ስምምዕነት ድሕንነት ከምዝኾነ ተሓሩ።
ይኹን እምበር ኔቶ ወታደራዊ መሰረተ ልምዓታት ኣብቲ ዞባ ብዝተፈለየ መልክዑ እንተጠናኺሩን ንሩሲያ ስግኣት ዝፈጥር እንተኾይኑን ግብረ መልሲ ከምዝህቡ ኣጠንቂቖም።
ቅድም ክብል ምክትል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ሪያብኮቭን ብዙሓት ዲፕሎማሰኛታት እታ ሃገርን፥ ስዊድንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ እንተተፀምቢረን ከቢድ መዘዝ ከምዘስዕብን ከምዘይቕበሉዎን ኣተሓሳሲቦም ምንባሮም ይዝከር፡፡
ሎሚ መዓልቲ እውን ኣሜሪካ እተን ሃገራት ናብ ኔቶ ንምፅምባር ብቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ኣቢሉ ብ18 ተቓውሞ ብኣብዝሓ ድምፂ ምድጋፋ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com