ስወኣትን ስድራ ስዉኣትን ሎሚ ጥራሕ ኣይኮናን እንዝክሮም –  ዶ/ር ደብረፅዮን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት መቐለ  ንክልተ መዓልታት ክሳለጥ ዝቐነየ 4ይ ዙር ክልላዊ ኮንፈረንስ ስድራ ስውኣት ተዛዚሙ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ “ብደም ደቅና ዝተረጋገፀ ሰላም፣ ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ብፀረ ህዝቢ ሓይልታት ኣይዝረግን” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝነበሮ ኢዩ።

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ መዛዘሚ እቲ ኮንፈረንስ ተረኺቦም ኣብ ዘሰምዕዎ መደረ፥ ቅንያቱ ቅንያት ምዝኻር ሰማእታት እኳ እንተኾነ ስውኣት ኩልግዘ ከምዝዝኽበሩ ተዛሪቦም።

“ንስወኣት እንተዘይንዝክር መዕለቢና ኣይፍለጥን ነይሩ” እውን ኢሎም።

ብሳላ መስዋእቶም ክቕየር ዘይሕሰብ ዝነበረ ስርዓት ከምዝተቐየረን ፀረ ድኽነት ቃልሲ ክካየድን ለውጢ ክመፅእን ከምዝኸኣለን ድማ ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር እቲ ለውጢ እኹል ከምዘይኮነ ዶክተር ደብረፂዮን ኣብ ዝገበርዎ መደረ ሓቢሮም።

“ካብ ድኽነትን ድሕረትን እንተዘይወፂእና ኩሉ ከበሳብሰና እዩ” ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ መስመርና ብምፅናዕ ነቲ ሐዚ መፂኡ ዘሎ ሓይሊ ክንምክት ኣለና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ስድራ ስውኣት ንደቆም ኣጆኩም ኢሎም ናብ ቃልሲ ብምስዳዶም ዓወት ከምዝመፀ ብምዝኽኻር ሐዚ ‘ውን ንቲ ሐድሽ ወለዶ ሓቦ ከትሕዙ ይግባእ ኢሎም።

ናይ ኩሉ መፍትሒ ትግራይ ምልዋጥ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎምን ነዚ ንምርግጋፅ ድማ ሐዚ ዘሎ ፀገም ኩልና ብሕብረት ከንፈትሖ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ስድራ ስወኣት ብህይወት ክሳብ ዘለው ድማ ውድብን መንግስትን ከምዝሕግዞም ቃል ኣትዮም።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ኮንፈረንስ፥ ኣብቲ ኮንፈረንስ ንዝተሳተፉ ስድራ ስውኣት ንሕድሕዶም 5 ሺሕ ብርን ሓደ ኩታን ከምዝተውሃቡ ተገሊፁ።

ብዮናታን ግዛቸው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment