ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዒድ ሶላት መበል 1 ሽሕን 445 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል-ኣድሃ (ዓረፋ) ብድምቀትን ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወን መልክዑ ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።
ኣብታ ከተማ ዝተኻየደ ዒድ ሶላት ብዙሓት ተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዝደመቐን ነቲ በዓል ብዝምጥን ሃይማኖታዊ ስርዓትን ብምኽባር ከምዝተዛዘመ ኢዩ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ ዘሎ፡፡
እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን÷ እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም ኣቐዲሙ ንዝተገበረ ምድላው ዝምጥን ናይ ተግባር ኣፈፃፅማ ንዘርአዩ መላእ ኣካላት ፀፅታ ኣመስጊኑ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ንስራሕቲ ሓይሊ ፀፅታ ተሓተባበርቲ ብምዃን ብፅሒቶም ንዝተዋፅኡ ተኸተልቲ እቲ እምነትን ደላዪ ሰላም ነባሪ እታ ከተማን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡
በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ)÷ ናይ ፍቕሪ፣ ሰላምን ጥዕናን በዓል ንኽኸውን እውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ።