ስነ-ስርዓት ቀብሪ 5ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ፤ 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ሎሚ መዓልቲ ተፈፂሙ።
ስነ-ስርዓት ምፍናውን ፍትሓትን እቶም ፓትሪያርክ÷ ፕረዝዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ እታ ሀገርን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረፅዮን ቅድስቲ ማርያም ቤተ ክርስቲያን ተኻይዱ።

ስነ-ስርዓት ቀብሮም ድማ ኣብ ገዳም ደብረ ምእዋን ኣቡነ ብፁእ ኣምላኽ ጐደይቲ ተፈጺሙ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment