ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣርቲስት ዘሪሁን ወዳጆ ኣብ ካቴድራል ቅድስት ሰስላሴ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣርቲስት ዘሪሁን ወዳጆ ኣብ ካቴድራል ቅድስት ሰስላሴ

ተፈፂሙ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ÷ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባ ገዳታት፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ከምኡ እውን ስድራ እቲ ኣርቲስትን ዘመድ ኣዝማድን ተረኺቦም።

ኣርቲስት ዘሪሁን ወዳጆ ብ1949 ዓ.ም ኣብ ከተማ ነቀምቴ ዝተወለደ እንትኸውን÷ ኣብ ጥበብ ዓለም ን48 ዓመታት ኩለመዳይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ፀኒሑ ኢዩ።

ኣርቲስቱ ዘሪሁን ብቋንቋ ኣፋን ኦሮሞ ብዙሓት ስራሕቲ ናብ ህዝቢ ብምብፃሕ ናእዳን ኣድናቖትን ክጎናፀፍ ክኢሉ ኢዩ፡፡

ኣርቲስት ዘሪሁን ወዳጆ ብምኽንያት ዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምንኡ እናተኸታተለ ፀኒሑ ቅድሚ ሒደት መዓልቲታት ህይወቱ ምሕላፉ ይፍለጥ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment