ስነ ስርዓት ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ስርዓት ቀብሪ ራብዓይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ተፈፂሙ።

ኣስከሬን ብፁእነቶም ኣብ ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ፀሎት ፍትሓት፣ ስርዓተ ማህሌትን ፀሎት ኪዳንን እናተገበረሉ ሓዲሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ኣውደምህረት ወፂኡ ብሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ያሬዳዊ ወረብን ካልኦት መርሃ ግብሪታት እናተሳለጠ ፀኒሑ፤ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ ድማ ስነስርዓት ቀብሮም ተፈፂሙ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓር ቀብሪ፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ፣ ተወካሊ ቤት ምኅ ኣቢያተ ክርስቲያናት ዓለም፣ ተወካሊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያናት ኣፍሪካ፣ ተወካሊ ኦፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ግብፂ፣ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ማላንካድ ህንዲ ተወካሊ ሊቀ ጳጳስ፣ ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን ካቶሊክ ባቲካን ፖፕ ፍራንሲስ ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ፌዲሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጌዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘው ተሻገር፣ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ትካላት ሃይማኖት፣ ኣቢያተ ክርስቲያናት ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከኑ ኤምባሲታትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት መልእኽቲ መግለፂ ሓዘን ኣመሓላሊፎም።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልዕክት፥ “ብፁዕ አቡነ መርቆሬዎስ ንሃገሮም በቢብርኩ ካብ ቁልዕነት እስከ ሕዚ ዝግበኦም ኩሉ ኣግልግሎት ኣበርኪቶም ኢዮም” ኢሎም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment