ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት መኽፈቲ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ክካየድ ኢዩ፡፡

ብሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 58 ንኡስ ዓንቀፅ (2) መሰረት 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ደምቢ ኣሰራርሓን ስነምግባር ኣባላትን ቁፅሪ 6/2008 ዓንቀፅ 24 ንኡስ ዓንቀፅ (1) መሰረት÷ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ፕሬዚዳንት እቲ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተረኸባሉ ሎሚ መዓልቲ ካብ ቀትሪ ሰዓት 8 ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት÷ ፕሬዚዳንት እቲ ሪፐብሊክ ንክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ዓመታዊ ስራሕ ከምዝጀመሩ ብምብሳር ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ ፌደራል ከቕርባ ኢየን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment