ስነስርዓት ቀብሪ ተዋሳኣይ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋየ ገሰሰ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነስርዓት ቀብሪ ተዋሳኣይ ደራሲን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋየ ገሰሰ ኣብ ካቴድራል ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስለላሴ ተፈፂሙ።

ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ድማ ኣብ ብሄራዊ ትያትር ስነስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ተኻይዱ ኢዩ፡፡

ኣብ ብዙሓት ተዋስኦታት ብቕዓት ተዋሳኣይነቶም ዘመስከሩ ኣርቲስት ተሓጋጋዛይ ፕሮፌሰር ተስፋየ፥ ሓፀርቲ ልበወለዳትን ግጥሚታትን መፃሕፍቶም እውን ናብ ሩሲያኛ ተተርጊሞም ተሓቲሞም ኢዮም፡፡

ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋየ ገሰሰ፥ መተከዣ (ግጥምን ቅኔን) ፣ ጥላሁን ግዛው፣ እቃው፣ የሺ፣ ኣባትና ልጆች፣ ላቀችና ደስታ፣ ተሃድሶ ዝተብሃሉ ተውኔታት ደሪሶም ኢዮም።

ከምኡ እውን ትርጉም መፅሓፍ “ልበወለዳዊ ህይወት ታሪኩና ሩብ ኣያቶቹ” ንኣንበብቲ ኣብፂሖም ኢዮም።

ተባባሪ ፕሮፌሰር ተስፋየ ንብዙሓት ዓማውቲ ኣብ ኮሌጅ ቲያትርን ጥበባትን ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብመምህርነት ኣገልጊሎም።

ብ1929 ዓ.ም ኣብ ሃረርጌ ዝተወለዱ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ተስፋየ፥ ኣብ 84 ዓመቶም ትማሊ 7 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment