ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስትራቴጂ ዲጂታል ጥዕና ፅሬት ዘይብሉ፣ ፍትሓዊን፣ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘን ኣገልግሎት ጥዕና ንኹሉ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ስትራቴጂ ዲጂታል ጥዕና ኢትዮጵያ ምስ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብምጥዕዓም ኣብ ዝትግበረሉ ኩነታት ዘድሀበ ዘተ መርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ።
ኣብ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዳይሬክተር ጄነራል ፕሮግራም ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዶክተር ኣብዮት ባዩ፥ ዕላማ ዲጂታል ጥዕና ፅሬት ዘለዎ፣ ፍትሓዊን ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዝብ ኣገልግሎት ጥዕና ንኹሉ ተበፃሒ ንኽኸውን ምግባር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስትራቴጂ ዲጂታል ጥዕና ንዕዉትነት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ወሳኒ ግደ ከምዘለዎ እቶም ዳይሬክተር ጄነራል ገሊፆም።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ሰብ ሞያን ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ብሓለፍቲ ኣይሲቲ ጥዕና ሚኒስቴር ጥዕና ብዛዕባ ሰነድ ስትራቴጂ ዲጂታል ጥዕና ዝምልከት ገለፃ ምግባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።