ስትሪንግ ኮሚቴ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስትሪንግ ኮሚቴ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት 2009 ዓ.ም ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ከተማ ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ዘርከቡ ዜጋታት መግቢ ውሕስንኦም ንምርግጋፅ ዝዓለመ ኢዩ።

ውፅኢታዊነቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ከምዝተረጋገፀ ድማ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ስትሪንግ ኮሚቴ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ቁልፊ ኣብ ዝበሃሉ ዛዕባታት ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ምፅዳቕ በጀት ዓመተ 2013 ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ካብቶም ውሳነታት ሓደ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ፕሮጀክት ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ኣካል ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ምግባር፣ በጀት ዓመተ 2013 ፕሮግራም ዪኒሴፍን ምግቢ ዓለምን ኣካል በጀት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት ንክኾኑ ምፅዳቕ እውን ካብቲ ውሳነ ተረቋሒ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment