ስታፍ ኣባላት 4ይ ክፍለጦር ንፅጉማት ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስታፍ ኣባላት 4ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ጦር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ መቐለ ክፍለ ከተማ ኲሓን ወረዳ እንደርታን ንዝርከቡ ፅጉማት ክፋላት ማሕበረሰብ ልዕሊ ብር 218 ሺሕ ወፃኢ ብምግባር ዝተፈላለዩ ሓገዛት ኣበርኪቶም።

እቶም ኣባላት ሰራዊት፥ ብምኽንያት ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተንቀሳቒሶም መዓልታዊ ምግቦም ክሽፍኑ ንዘይኽእሉ 100 ዓቐሚ ዘይብሎም ኣረጋውያን ኢዮም ሓገዝ ገይሮም።

ዋና ኣዛዚ 4ይ ሜካናይዝድ ክፍለ ጦር ኮሎኔል ገብረስላሴ በላይ ከምዝበሉዎ፥ እቶም ኣባላት ሰራዊት ኣብ ቀረባ እዋን ብብርኪ ትካል ካብ ዝለገሱዎ ሓገዝ ብተወሳኺ ብዓርሰ ተበግሶን ድሌትን ካብ መዓልታዊ ብፅሒቶም ገንዘብ ብምውፃእ ዝገበሩዎ ሓገዝ ኢዩ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ኩለን ብርጌዳት እቲ ክፍለ ጦር ኣብ ዘዘለዉሉ ከባቢ ዝቕፅል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣመሓዳሪ ክፍለ ከተማ ኲሓ ኣይተ ረዳሀይ ፍስሃ ብግደኦም፥ እቲ ሰራዊት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ኩለመዳይ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ከምዝነበረን ሕዚ ድማ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ጅዝቢ ብምዃን ካብ ዘለዎ ብምንካይ ዝገበሮ ሓገዝ ዝነኣድ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓገዝ ዝተገበረሎም ፅጉማት ኣረጋውያን እውን እቶም ኣባላት ሰራዊት ምክልካል ሃገር ኩሉ ግዘ ንዝገብሩሎም ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ክፍለጦ ቅድሚ ሕዚ ዝባፅሑ ዝራእቲ፣ ብምእካብ፣ ኣብ ኩሉ ስራሕቲ ልምዓት ብምፍታፍ፣ ፈልሲታት ብምትካልን ንፅጉማት ብገንዘብን ብጉልበትን ሓገዝ እናገበረ ፀኒሑ ኢዩ።

ፍልፍል፦ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment