ስታርትኣፓት ንምትእንጋድ ዘኽእል ጥጡሕ ሃዋህው ንምህናፅ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስታርትኣፓት ንምትእንጋድ ዘኽእል ጥጡሕ ሃዋህው ንምህናፅ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ስነ ምህዳር ስታርትኣፕ ምቹው ንምግባር እናተሰናደአ ኣብ ዝርከብ ረቂቕ ኣዋጅ ዝርዝር ትሕዝቶ ዝጠመተ ዘተ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፣ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ካፒታል ዕዳጋ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር)ን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲኦም ትካላትን ተረኺቦም፡፡

ረቂቕ ኣዋጅ ስታርትኣፕ ንምስንዳእ ዘኽእሉ እታወታት ኣብ ኢትዮጵያ ኤግዚቢሽን ስታርትኣፕን ካልኦት መድረኻትን ዝተኣከቡ እንትኾኑ÷ ዝርዝር ጉዳያት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተታት እናተኻዱ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

Comments (0)
Add Comment