ስርዓት ፌዴራል ንኽጉልብት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ፌዴራል ንኽጉልብት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣብ ስርዓት ፌዴራል ኣድሂቡ ምስ ፓርቶታት ፖለቲካን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ከተማ ኣዳማ ይዛተ ኣሎ።

ፖለቶካዊ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምጉልባት ስርዓት ፌዴራል ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ፡፡

ሕገመንግስቲ ፌዴሪኢ ንኹሎም ዜጋታት ማዕረ ተሳትፎ ፖለቲካ ዘረጋግፅ ይኹን እምበር፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ምኽሪን ዝተፈላለዩ ፓርቲታትን ዘሎ ተሳትፎ ደቂ ኣንስቲዮ ትሑት ከምዝኾነ መፅናዕቲታት ይሕብሩ።

ማዕረ ተሳትፎ ፖለቲካ ኩሎም ዜጋታት ኣብ ምርግጋፅ ስልጣነር ተግባርን ዘለዎ ቤት ምኽ ፌዴሬሽን ብፍላይ ምዕባይ ባህሊ ዴሞክራሲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስርዓት ፌዴራል ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment