ስርዓት ፌዴራል ንምድንፋዕ ትካላዊ ውዳበ ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ፌዴራል ንምድንፋዕን ንፍትሓዊ ተረባሕነት ህዝቢታትን ትካላዊ ውዳበን ኣሰራርሓን ምዝርጋሕ ከምዝግባእ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ፎሮም ኦፍ ፌዴሬሽን ብምትሕብባር ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ ባህርዳ መድረኽ ኣሰናዲኡ፡፡

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር÷ ፊስካል ፌዴራሊዝም ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ዘሎ ስልጣን ክፍፍል ሓላፍነት ወፃኢን ኣታዊን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ስርዓት ፌዴራል ብምጉልባትን ንህዝባዊ ተረባሕነትን ብበይነ መንግስታት ፊስካል ርክብ ኣብ ትካላዊ ውዳበን ኣሰራርሓን ንምዝርጋሕ ብዕጡብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ቅድሚ ለውጢ ኣፈፃፅማ ፊስካል ፌዴራሊዝም ሰናይ ዝበሃሉ ውፅኢታት ዝተመዝገቡሉ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ምስ ኣሰራርሓን ኣተገባብራን ተተሓሒዙ ብዙሕ ፀገም ዝስተውዓሉሉ ከምዝነበረ ኣልዒሎም፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እናሃቦ ዝርከብ ስልጠና ብዝተፈላለዩ ክልላት ንራብዓይ ዙር እናተውሃበ ከምዝርከብ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment