ስርዓት ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ክሳብ ሕዚ ናብ 10 ሚሊየን ዝፅግዑ ሰባት ከምዝተመዝገቡ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ክሳብ ሕዚ ናብ 10 ሚሊየን ዝፅግዑ ሰባት ከምዝተመዝገቡ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ “መለለዪ መንነት” ሎሚ መዓልቲ 6 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ፡፡

እቲ መዓልቲ ኣመልኪቱ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ “መለለዪ መንነት ምርካብ መሰል ዜጋታት ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብኣዊ መሰል ኢዩ” ኢሉ።

መሰረታዊ ኣገልግሎት ንምርካብ፣ መሰል ንምሕላውን ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታት ሙሉእ ተሳትፎ ንምግባርን ኣድላዪ ስለዝኾነን ኩሉ ሰብ መንነቱ ክፍለጥ ይግባእ፤ ኩሉ ሰብ እውን መንነቱ ንኽፍለጥ መሰል ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 16 ሴፕቴምበር ዝኽበር ዓለም ለኸ “መዓለቲ መለለዪ መንነት” ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘበን 6 መስከረም 2017 ዓ.ም ዲጂታል መለለዪ መንነት ብዝምልከት ሓበረታታት ተበፃሒ ብምግባር፣ ኣድላይነት “ፋይዳ” ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት፣ ተረባሕነት ዜጋታትን መሰላቶምን ሓበሬታ ብመሃብ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

እቲ ዕለት እንትኽበር ዜጋታት ንዲጂታል መለለዪ መንነት ብምብቃዕ፣ ኣገልግሎታት ብምዕባይን ኣብ ኢኮኖሚዊ ዕቤት ዘለዎም ግደ ብምርኣይን ቆራፅ ብምዃና ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ከምዝገብራ ተሓቢሩ።

ናይዚ ዓመት መዓልቲ መለለዪ መንነት “ውልቀሰብን ማሕበረሰብን ዘብቅዕ፣ ንኹሉ ዝሓቁፍ ስርዓት መንነት ኣድላይነቱ ኣጉሊሁ ዘርኢ” ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ 6 ክሳብ 13 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ዘለዉ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ብሄራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነት ኣብ መላእ ሃገር ቁልፊ ቦታታት ምስ ዝግበር ወፍሪ “ምዝገባ ፋይዳ” ጎድና ጎድኒ ብሄራዊ ፕሮግራም ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ፣ ምስ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲን ብምዃን ዝርገሐ ኦንላይን፥ ምንቅስቓሳት ምዝገባ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ተኸታተልቲ ምድላዋት ክውገኑ ኢዮም፡፡

ስርዓት ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ክሳብ ሕዚ ናብ 10 ሚሊየን ዝፅግዑ ሰባት ዝመዝገበ እንትኸውን÷ መዓልቲ ምፍላጥ መንነት ምኽንያት ብምግባር ነበርቲ ንኽምዝገቡ ስራሕቲ ጎስጓሳት ከምዝስርሑ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment