ስርዓት ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ብምዝማን ዘይሕጋውነት ምክልኻል ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንስርዓት ምሕደራ ኣባይቲ ከተማ ዘገልግል ሶፍትዌር ብሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን  ለከተማ ቤቶች አስተዳደር ስርዓት የሚያገለግል ሶፍት ዌር በከተማና መሰረተ ልማትን ቢሮ ምምሕዳር ልምዓት ኣባይቲን ለሚዒ ብዕሊ ስራሕ ናይ ምጅማር መርሃ ግብሪ ተኻይዱ።

ኣመራርሓ ለውጢ ናብ ስራሕ እንተኣቱ ተግባራዊ ክገብሮም ቃል ካብ ዝኣተወሎም ጉዳያት ሓደ ኣሰራርሓታት ቅልጡፍ ምግባር ስለዝኾነ፥ ስርዓት ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ንምዝማን ሎሚ መዓልቲ ተግባራዊ ዝኾነ ሶፍትዌር ሓደ ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ሕብረተሰብ ዝደልዮ ኣገልግሎት ብግቡእ ንመሃብ ናብቲ ሶፍትዌር ዝኣትዉ ሓበሬታታት ካብ ምእካብ ጀሚሩ ኣብ ሓፈሻዊ ተግባራቱ ትኹረት ብምሃብ ክስራሕ ይግባእ እውን ኢለን፡፡

ፍትሓዊነት ንምዕሳልን ብልሹዋት ኣሰራርሓታት ንምክልኻል ንትኽክለኛ ኣተሓሕዛ ሓበሬታ ዘገልግሉ ሶፍትዌራት ምጥቃም ረብሑኡ ርኡይ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

“እቲ ምመሕዳር ከተማ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣባይቲ በቲ ዘበናዊ ሶፍትዌር ምትሐዚ ሓሬታ ኣቢሉ ስርቂን ዘይሕጋዊነትን ከይስፋሕፋሕ ክሰርሕ ኢዩ” ኢለን ወይዘሮ ኣዳነች፡፡

እቲ ሶፍትዌር ናይ ቀበሌ ገዛውቲ፣ ኮንዶምንየማት፣ ገዛውቲ ማሕበራትን ክፍቲ ቦታታትን ዝርከቡሉ ቦታ ብምምዝጋብ ሓበሬታ ስለዝሕዝ ምጥፋእ ፋይልን መሰል ፀገማትን ዝፈትሕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment