ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ዲጂታላይዝድ ብምግባር 4 ሺሕ ትካላት ጥዕና ብኔትወርክ ምትእስሳር ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ሃገር ዲጂታላይዝድ ብምግባር 4 ሺሕ ትካላት ጥዕና ብኔትወርክ ምትእስሳር ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ንምምሕያሽ ብዝተጀመረ “ዲኤችኣይኤስቱ” መተግበሪ ኣቢሉ ኣብ ዝሓፉ ሸውዓተን ሸሞንተን ዓመታት ሓደ ቢሊየን ዝኸውን ሓበሬታ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

‘ኣብ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ውሳነ ንዝሐሸ ስርዓት ጥዕና’ ብዝብል ኣብ ሃገር ለኸ ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ዘድሀበ ሃገር ለኸ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣብታ ሃገር “ዲኤችአይኤስ ቱ” መተግበሪ ዝተወገኑ ስራሕቲ ልዝብ ዝግበረሉን ንዝቕፅል ገዛ ዕዮ ዝወሃበሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ሚኒስቴር ጥዕና መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ዲጂታል ጥዕና ኣይተ ገመቺስ መልካሙ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ዲጂታላይዝድ ንምግባር ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

በዚ ድማ ወረቐት ኣልቦ ግልጋሎት ኣብ ሆስፒታላት ምጅማር ከምዝተኽኣለን 4 ሺሕ ዝኾኑ ትካላት ጥዕና ብኔትወርክ ናይ ምትእስሳር ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፆም፡፡

ብሃይማኖት ኢያሱ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment