ስርዓተ ትምህርቲ ንምስትኽኻል እናተገበረ ዝርከብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ስርዓተ ትምህርቲ ንምስትኽኻል እናተገበረ ዝርከብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፅሬት ትምህርቲ ብዝምልከት ንኣባላት ፓርላማ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ፀገም ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፅሬት ትምህርቲ ንምስትኽኻል ሮድማፕ ስርዓተ ትምሀርቲ እንትሕንፀፅ ኣብ ሸውዓተ ነጥቢታት ብዕቱብ ምስራሕ ከምዘድሊ ተሓሲቡ ከምዝተኣተወ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ንሳቶም እውን ካሪኩለም ምቕያር፣ ዓቕሚ መምህራን ምዕባይ፣ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ምስፍሕፋሕ፣ ስርዓት ፈተና ምምሕያሽ፣ ምገባ ተምሃሮ ምጅማርን ላዕለዎት ትካላት ትምሀርቲ ፅሬተን ምድንፋዕን ዝብሉ ኢዮም” ኢሎም።

ውፅኢት ፈተና ብዝምልከት ተምሃሮ ናይ ህይወት ፈተና ካብ ዝወድቁ ናይ ሓደ ግዘ ፈተና እንተወደቑ ዝሐሸ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብናይ ቀለም ትምህርቲ ዝወደቑ ብትምህርቲ ሞያ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ክበፅሑ ከምዝኽእሉን እዚ ንምዕዋት ምቹው ሃዋህው ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝኾነን ተዛሪቦም፡፡

መጀመርያ ዝወደቑ መጠናኸሪ ፈተና ብምውሳድ ክሓልፉ ከምዝኽእሉን እውን ኣብሪሆም፡፡

ስርዓተ ትምህርቲ ንምስትኽኻል እናተገበረ ዝርከብ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ÷ ኣብ ሓፂር እዋን ስርዓተ ትምህርቲ ክስተኻኸል ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሚዲያ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ምላሽ÷ “ሚዲያታት ንኽድመፁ ክብሉ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ከፈልፍሉ ኢዮም መሪፅካ ናይ ምስማዕ ጉዳይ ናይ ህዝቢ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም፡፡

መስመር ዝሰሓቱ ሚዲያታት ብሕጊ ስርዓት ንኽሕዙ ከምዝግበር እውን ኣብሪሆም፡፡

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ብምግላፅ፤ እቲ ኮሚሽን ኩሉ ንባዕሉ ክብል ክድግፎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብዝተፈላለዩ ዘበናት ዘይተጠቐምናሉ ዕድል ሕዚ እውን ከየምልጠና ንሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ሓገዝ ክንገብር ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዘይተመለሱ ጉዳያት ንኽምለሱ፣ ስርዓተ መንግስቲ ብኹሉ ተቐባልነት ንኽህልዎ፣

ቀዳማይ ሚኒስትር ተላበድቲ ሕማማት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ከም ሕማም ዓሶን ኮሌራን ዝበሉ ሕማማት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝተርኣዩ ብምግላፅ፤ ብክሌማዊ ለውጢ ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ተላበድቲ ሕማማት ንምክልኻል ኣድለይቲ ኣፋውስ ናብ ሃገር እናእተወ ከምዝርከብ እውን ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment