ስርዓተ ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲን ዩኒቨርሲቲ ሰመራን ስርዓተ ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘተ ኣካይዶም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓተ ትምህርቲ ዝርከበሉ ብርኪ ዘርኢ ዘተ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲቲታት እናተኻየደ እንትኾን÷ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ዝተኻየደ ዘተ 4ይ መድረኽ ከምዝኾነ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ ገሊፆም፡፡

ስርዓተ ትምህርቲ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ምስ ፕረዚዳንትታት ውልቀ ዩኒቨርሲቲታት ምዝታዮም እውን እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም፡፡

ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ዶክተር መሓመድ ዑስማን፥ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እዛ ሃገር ምምሕያሽ ከምፅኡ ኣብ ዝኽእሉ ተግባራት ከምዝስርሑ ኣብሪሆም፡፡

እቶም ሚኒስትር ስርዓተ ትምህርቲ እዛ ሃገር ብምምሕያሽ ዝሕሰብ ዕቤት ምምዝጋብ ዝኽእሉ ምሁራን ንምፍራይ ክስራሕ ይግባእ ምባሎም ካብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ክልል ዓፋር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ዑደት ዘካየዱ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ብቕልጡፍ መሊስካ ምጥያሽ  ንኽግበር ኣብ ዝከኣለሉ ምስ መዳርግቲ እቲ ከባቢ ተዘራሪቦም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment