ስራሕቲ ፅሑፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘርእን ዝድህስስን ኤግዚብሽን መፅሓፍ ሎሚ ኣብ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተሰናደአን ስራሕቲ ፅሑፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘርእን ዝድህስስን ኤግዚብሽን መፃሕፍቲ ኣብ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ተኸፊቱ።

ኣብቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልቲታት ዝፀንሕ ዓውደ ምርኢት÷ ቀዋሚ “ቤተ ንባብ ቀዳማይ ሚኒስትር” ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብ “ቤተ ንባብ ቀዳማይ ሚኒስትር”÷ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡ ጀሚሩ ንንባብ ዘብቅዑዎም መፃሕፍቲ ቀሪቦም።

ኣብ ኣብርሆት ዝተሰናደአ ዓውደ ምርኢት መፃሕፍቲ ካብ 24 ክሳብ 29 ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ክፀንሕ ኢዩ።

“ቃል፤ ተግባር፤ ወለዶ” ብዝብል መሪሕ ቃል ዝተጀመረ እቲ ዓውደ ምርኢት መፃሕፍቲ÷ ባህሊ ንባብ ንምድንፋዕ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያ ካቢኔን ኣለምፀሃይ ጳውሎስ፣ ኣማኻሪ ዘፈር ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊት ፕሬስ ሴክሪታሪያት ቢልለኔ ስዩምን ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተሳተፍቲን ተረኺቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment