ስራሕቲ ዳግመ ውዳበ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ኩለን ክልላት ብተመሳሳሊ እዋን ዝተጀመረ ኢዩ –  ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ተግባር ዝተኣተወ ስራሕቲ ዳግመ ምውዳብ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ኣብ ኩለን ክልላት ብተመሳሳሊ እዋን ዝተጀመረ ከምዝኾነ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን ድማ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዝተኻየደ ሪፎርም፥ ብኣፅዋር፣ ቴክኖሎጂ፣ ሓይሊ ሰብ ከምኡ እውን ኣድለይቲ ብዝኾኑ ካልኦት መገዲታት ኣብ ምጥንኻር ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እዚ ድማ ከም ሃገር ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ሓደጋ ህልውና ብዘላቕነት ምምካት ዘኽአለ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ምስ ምውዳብ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ተተሓሒዙ ዝተጀመረ ስራሕ ብብርኪ መፅናዕቲን ቅድመ ምድላውን ኣቐዲሙ ዝተገበረ ከምዝኾነ ፀሪሐን፡፡

ከም ሃገር ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ሓደጋ ህልውና ምምካት ኣድላዪ ብምዃኑን ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ተላዒሎም ዝነበሩ ምዝባዕ ሰላምን ዘላቒ መፍትሒ ክሳብ ዝረኽቡ ኣብቲ መፅናዕቲ ዝተመልከቱ ኣንፈታት ተግባራዊ ከይኾኑ እናገበረ ምፅንሑ ኣብሪሀን።

ይኹን እምበር ሕዚ ሓደ ጥንኩርን ዝተማእኸለን ሰራዊት ምህናፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብሄራዊን ናይ መወዳእታን ድፋዕ ህልውና ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

“ከም ኢትዮጵያ ዝበለት ብብዙሕ ዞባዊ ቅልውላው ንዝተኸበበት ሃገር፤ ብዘይ ጥንኩር ሰራዊት ምክልኻል ጥንክርቲ ሃገር ምህናፅ ኣይከኣልን” ኢለን፡፡

ነዚ እንትበሃል እውን ሰራዊት ምክልኻል ብግቡእ ምውዳብ ሃገራዊ ዛዕባ ክኸውን ከምዝኸኣለ ኣገንዚበን።

ስራሕቲ ምውዳብን ምጥንኻር ሰራዊትን ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ ከምዝኾነ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ እቲ መፅናዕቲ ስዒቡ መንግስቲ ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ብዝተፈላለዩ ውዳበታት ንኽውደቡ ዘኽእሎም ተግባራዊ ስጉምቲ ከምዝተጀመረ ኣዘኻኺረን።

እተን ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ መግለፂአን፥ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት እናተፈነዉ ዝነበሩ ሉኣላውነት ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣጋጣሚታት ንምምላስን ክብሪ ንምሕላውን ፍሉይ ሓይሊታት መስዋእትነት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱን ነዚ ድማ መንግስቲ ልዑል ምስጋና ከምዘለዎን ኣፍሊጠን።

ሕዚ ኣብ ዝተጀመረ ስራሕቲ ዳግመ ውዳበ ፍሉይ ሓይሊ እውን ምርጨኦም ተሓሊዩሎምን ድሌቶም ተኸቢሩሎምን መንግስቲ ኣማራፂ ኣቐሚጡ ዳግመ ውዳበ ከምዝካየድ ገሊፀን።

ንኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ምፅምባር ፈላማይ ኣማራፂ ከምዝኾነን ሃገራዊ ፃውዒት ከምዝኾነን እውን እተን ሚኒስትር ዲኤታ ተዛሪበን፡፡

ናብ ትካላት ፀፅታ ክልላት ምእታውን ናብ ስሩዕ ህይወት ምምላስን ዝብሉ ካልኦት ኣማራፂታት ከምዘለዉ ብምሕባር፥ ናብ ሲቪል ንዝምለሱ ኣድላዪ ሓገዝን መትከሊ እግሪን ንምግባር ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሀን።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment