ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብዙሓት ለውጢታት እናሓለፈ ዝርከብ ጂኦ ፖለቲካ ዓለም ብገናዘበ መገዲ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ብጥበብን ፍልጠትን ምውጋን ከምዝግባእ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣገንዚቦም፡፡
ምስ ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ተፀዋዕቲ ትካላትን መርሃ ግብሪ ዘተን ምፍላጥን ተኻይዱ፡፡
ኣምባሳደር ታዬ እባቲ መርሃ ግብሪ÷ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብብርኪ ትካል እንታይ ክመስል ከምዘለዎ፣ ዓቕሚን ክእለትን ሰብ ሞያ እቲ ትካል፣ ከምኡ እውን ኣብ ኣመላኸትቲ ጉዳያት ቀፀልቲ ኣንፈታት እቲ ትካል ኣመልኪቶም ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።
ዲፕሎማሰኛታት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው በቢግዚኡ ዝለዋወጥ ጂኦ ፖለቲካ ዓለም ኣብ ግንዛበ ብምእታው ንባዕሎም ብኹሉ ዓውዲ ብምብቃዕ ክተግሁ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ብግደአን÷ ኣምባሳደር ታዬ በቲ ትካል ዝሓለፉን ብዝግባእ ዝፈልጡዎን ብምዃኖም እቲ ትካል ናብ ዝሐሸ ብራኸ ንምስግጋር ኣበርክቶ ከምዝህልዎም ገሊፀን።
ኩሉ በዓል ሞያ ብሙሉእ ዓቕሙ ክሰርሕ ከምዘለዎ ምግላፀን እውን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com