ስራሕቲ ኣቢያተ ህንፀት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ንኽሰርሑ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ጉባኤ ኮሚሽነራት ኮሚሽን ኣቢያተ ህንፀት ፌዴራልን ክልላትን ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ጉባኤ ሪፎርም ትካላት ቤት ህንፀት ክቕፅል ምግባር፣ ምእራም፣ ምህናፅን ግልጋሎት ልምዓት ተሃድሶን  ውፅኢታውነትን ምሕላው ሰብኣዊ መሰልን ድሕንነትን ተሃነፅቲ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት እናዘተየ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ÷ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ለውጢ ብዙሓት ሱር በቆስ ለውጢታት ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘፈር ፍትሒ ምምሕያሹ ዘመላኽት ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምርግጋፅ ካብ ሞንጎ ዝሰርሑ ትካላት ስርዓት ፍትሒ ቤት ህንፀት ሓደ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ኣቢያተ ህንፀት ዝመፅአ ውፅታዊ ስራሕ ብምጥንኻር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፃሕ መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኮሚሽነር ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌዴራል ዳመነ ዳሮታ ብግደኦም÷ ኩሎም ተሃነፅቲ ሕጊ ብመሰረት መምርሒ ኣተሓሕዛ ተሃነፅቲ ሕጊ ውሕመ ሰብኣዊ ክብሮም ብምሕላው ናይ ምህናፅ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

“ቅድሚ 5 ዓመታት ብዓለም ለኸ ተኻታዕቲ ሰብኣዊ መሰልን ዓለም ለኸ ሚዲያታትን እናተወቐሰ ዝነበረ ኮሚሽን ቤት ህንፀት ክልል ሶማሌ ሎሚ ኣሰናዳኢ ጉባኤ ምዃኑ መርአዪ እቲ ለውጢ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ሓበራዊ ጉባኤ ልውውጥ ልምዲ ብምግባር ተሃነፅቲ ብዓሌት፣ ብቐለም፣ ብጾታ፣ ብቋንቋ፣ ብሃይማኖትን ፖለቲካዊ ኣመለኻኽታን ኣፈላላይ እንተይተፈጠረ ተቐራራቢ ኣሰራርሓ ንምዝርጋሕ ከምዝሕግዝ ገሊፆም።

ብጀማል ኣህመድ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment