ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ፕሮጀክት ዲጂታል ፋውንዴሽን ኣብ ዝተትሓዘሎም ትልሚ መሰረት ብምግባር ይሳለጥ ኣሎ – ሚኒስትር ዲኤታ ሁሪያ ዓሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥር 6፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብላዕለዋይነት ዝመርሖን ብባንኪ ዓለም ዝድገፍን ፕሮጀክት ፋውንዴሽ ዲጂታል ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ብመሰረት ዝተትሓዘሉ ትልሚ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሁሪያ ዓሊ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ ባንኪ ዓለም ፕሮጀክት ፋውንዴሽ ዲጂታል መራሒ ኣይ ሲ ቲ ምስ ዝኾኑ ዶክተር ቲሞቲ ኬሊ ኣብ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ኣድሂበን ዘቲዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ዘብራሃ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ እቲ ፕሮጀክት ዝተሓሰበሉ ሽቶ ንኽወቅዕን ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ መሰረት ንምንባርን ብዕቱብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

በዓለም ባንክ የአይ ሲ ቲ ፖሊሲ መሪ እና በባንኩ የኢትዮጵያን የዲጂታል ፋውንዴሽን ፕሮጀክት የሚከታተሉት ዶክተር ቲሞቲ ኬሊ የዲጂታል ዘርፉን የሚደግፉ ቀጣይ ቀጠናዊ ፕሮጀክቶች መኖራቸውን አንስተዋል፡፡

ኢትዮጵያ ካብቲ ፕሮጀክት ተረባሒት ክትከውን ከምትደሊ ምሕባረን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዕላዊ ዝግበር ሓደ ዞባዊ ፕሮጀክት፥ ንኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ተረባሕቲ ክገብር ዝኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment