ስራሕቲ ምእካብ ወታደራዊ ሓድጊታትን ታሪኻት ምስናድን እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዳይሬክቶሬት ምምሕዳር ሓድጊን መፅናዕቲን ምክልኻል ስራሕቲ ምእካብ ወታደራዊ ሓድጊታትን ታሪኻት ምስናድን እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ዳይሬክተር እቲ ምምሕዳር ብርጋዲየር ጄኔራል ደሳለኝ ደቼ÷ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወታደራዊ ሓድጊ፣ ባህሊን ታሪኽን ከምዘለዋ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ባህሊን ታሪኽን ሃገር ካብ ምዝካር ሓሊፉ ፍልፍል ዓወትን ሰዓራይነትን እቲ ሰራዊት ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ምትግባር ትካላዊ ሪፎርም ዝተጣየሸ ዳይሬክቶሬት ምምሕዳር ሓድጊን መፅናዕቲን ምክልኻል÷ ወታደራዊ ሓድጊታት ኣብ ምእካብ፣ ብሓይሊ ሰብ ኣብ ምውዳብ፣ ታሪኻት ኣብ ምስናድን ምፅናዕን ከምኡ እውን ዓውደ ምርኢት ኣብ ምስንዳእ ብዙሓት ተግባራት ኣብ መውጋን ከምዝርከብ እውን ገሊጦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ዳይሬክቶሬት ኣብ ምስንዳእ ዲዛይን ዘበናዊ ህንፃ ወታደራዊ ሙዚየም ከምዝርከብ ምግላፆም ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከም ሃገር ዝህነፅ ዘበናዊ ወታደራዊ ሙዚየም ካብ ህንፀት ሰራዊት ብተወሳኺ ንትውልዲ ዝመሓላለፍን ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ከምዝህልዎን ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment