ስራሕቲ ምምዝጋብን ናብ ማእኸል ምእካብን ዕጥቂ ዝፈትሑ ነበር ተዋጋእቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ክጅመር ኢዩ – ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ምምዝጋብን ናብ ማእኸል ምእካብን ዕጥቂ ዝፈትሑ ነበር ተዋጋእቲ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ከምዝጅመር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኣካል ምስ ህወሓት ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝኾነ ዕጡቓት ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ናብ ሓደ ማአእኸል ምእካብን ሰላማዊ ህይወት ክመርሑ መሊስካ ምጥያሽን ከይዲ ብብሔራዊ ደረጃ ንምክያድ ናብ ስራሕ ኣቲዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ዘሳልጥ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዝተጣየሸ እንትኸውን÷ እቲ ኮሚሽን ስርሑ ንምጅማር ዘኽእሉ ቅድመ ምድላዋት እናገበረ ይርከብ ተባሂሉ።

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ÷ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሰላማዊ ህይወቶም ንኽምለሱን ኣብ ከይዲ ዘላቒ ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ሃገር ተሳተፍቲ ንኽኾኑ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ነበር ተዋጋእቲ ዝበሃሉ ኣብ ዝተፈለዩ እዋናት ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበሩ ጎንፂታትን ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝነበረ ኲናት ኣብ ውግእ ዝነበሩን ኣብ ሓይሊታት መንግስቲ ዘይሕቆፉ ክፋላት ማሕበሰብ ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ዕላማኦም ብዕጥቂ ንምፍፃም እናተዋግኡ ዝነበሩ ኣካላት ከምዝምልከት ሓቢሮም።

እቲ ኮሚሽን ናብ ስራሕ ካብ ዝኣቱ ኣብ ዘለዉ ሰለስተ ኣዋርሕ፥ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ዓፋር፣ ኦሮሚያ፣ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ምስ ዝርከቡ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ልዝብ ብምግባር ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ንምጥያሽ ዘድልዩ ቅድመ ምድላዋት ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሐ ኣብሪሆም።

ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ከይዲ መሊስካ ንምጥያሽ ነበር ተዋጋእቲ ብዝተዋደደ መልክዑ ንምስላጥ ዘኽእልለ ናይ ክልተ ዓመት መርሃ ግብሪን ትልሚን ከምዘውፀአ ኣምባሳደር ተሸመ ገሊፆም።

ምስ ዝተፈላለያ ሃገራ ኣምባሳደራትን ለገስቲ ትካልትን ብዝተገበሩ ልዝባት መንግስቲ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዝጀመሮ ፃዕሪ ከምዝድግፉ ምርግጋፆም እቶም ኮሚሽነር ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚሽን ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ትካላት ፀፅታን ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ኣፍቲሖም ምስወድኡ ስራሕቲ መሊስካ ምጥያሽ ንምጅማር ዘኽእሉ ተግባራት ብቅልጡፍ ከምዘሳልጥ ፀሪሖም።

ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ ካብ 250 ሺሕ ክሳብ 300 ሺህ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኣብቲ መርሃ ግብሪ መሊስካ ምጥያሽ ከምዝካተቱ ብምሕባር÷ እዚ ንምፍፃም 550 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ ገሊፆም።

“ኣብ መላእ ክፋል እታ ሃገር ዝርከቡ ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ከይዲ ምዝዛሙ ምስተረጋገፀ፥ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ 2015 ዓ.ም ስራሕቲ ምምዝጋብን ናብ ሓደ ማእኸል ምእካብን ክጅመር ኢዩ” ኢሎም።

ከይዲ ምዝገባ ብኤሌክትሮኒክስ ተሓጊዙ ዝሳለጥ እንትኸውን÷ ነዚ ድማ ኣድላዪ ስራሕቲ ምልማዕ ሶፍትዌርን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ኮሚሽነር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment