ስራሕቲ ሓገዝ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ብዘየውድቕ መልክዑ ክኸውን ኣለዎ – ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ሓገዝ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ብዘየውድቕ መልክዑ ክሳለጥ ከምዝግባእ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል ሚነስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ዘለትሉ እዋናዊ ኩነታት መሰረት ብምግባር ኣሰራርሓ እታ ሃገር ተኸቲሎም ሓገዝ እናገበሩ ንዝርከቡ ትካላት ሓገዝ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስጋና ምቕራቦም ገሊፆም፡፡

እቶም ትካላት ሓገዝ እውን ብመንፅር ፍሰትን ፍተሸን ሓገዝ፣ ምስ ኣገልግሎት ባንኪ፣ ምስ ቪዛን መሳርሒታት ኮሙዩኒኬሽንን ዝተትሓሓዙ ቅሬታታት ምቕራቦም ገሊፆም።

ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ቁፅሪ ጣቢያታት ፍተሸ ንምንካይን ዘመናዊ ብምግባርን ኣገልግሎቱ ንምቅልጣፍ ከምዝስራሕ ነቶም ዓለም ለኸ ትካላት ተገሊፁሎም ኢዩ ኢሎም፡፡

ዝግበሩ ስራሕቲ ሓገዛት፥ ሰላምን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ዘየውድቕ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

መንግስቲ ኩለመዳይ ድርድር ንምግባር ድሉው ምዃኑ እውን ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም፡፡

ብወንደሰን ኣረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment