ስራሕቲ ለውጢ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ሕርሻ ዘፈር ሕርሻ ንምዝማን ጠቓሚ ከምዝኾነ ቀዋሚ ኮሚቴ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕርሻ፣ ሰበኽ ሳግምን ሓለዋ ከባቢ ብሚኒስቴር ሕርሻ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ለውጢ ኣመልኪቱ ምልከታ መስክ ገይሩ።

ኣብ ምልከትኡ ድማ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ትኹረት ገይሪሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ፥ ኣብቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣካቢት ንኡስ ኮሚቴ ሓለዋ ወይዘሮ ኣበባዬ ገዛሀኝ ገሊፀን፡፡

እቲ ትካል ኣብ ምዝማን ድማ ካብ ፌዴራል ክሳብ ጣቢያ ዘሎ ውዳብ እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ ዘኽእል ኣሰራርሓ ምዝርግሑ እውን ብጥንኩር ጎኑ ኣልዒለን፡፡

ኣብ ከባቢ እቲ ትካል ዘርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ግልጋሎት በተ-መፃሕፍቲን ማይ ንመሃብ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምህላዎ ዝሓበራ እተን ኣካቢት ንኡስ ኮሚቴ፥ እቲ ኣገልግሎት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ሚኒስትር ሚኒስቴር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን ብግደኦም፥ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ስራሕቲ ዝራእቲ፣ እንስሳትን ሃፍቲ ተፈጥሮን ብምስላጥ ፍርያትን ፍርያታውነትን ብምድንፋዕ ካብ ሕርሻ መሪሕ ናብ ኢንዱስትሪ መሪሕ ኢኮኖሚ ናይ ምስግጋር ስራሕቲ ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምግነላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment