ስራሕቲ ለምዓት ኮሪደር ኣራት ኪሎ-ቀበና-ኤምባሲ ኬንያ ተዛዚሙ- ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ለምዓት ኮሪደር ኣራት ኪሎ-ቀበና-ኤምባሲ ኬንያ ከምዝተዛዘመ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዊ መልእኽቲ፥ እቲ ከባቢ ሓምለዋይ ናይ ምግባር ፃዕሪ ብግልፂ ከምዝረአ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ፅባቐ ምሸት ንኢድና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሎሚ ድማ ናይ ጓሓት ፅባቐ ብልምዓት ኮሪደር ኣቢልና ርኢና ኣለና ኢሎም።

እቲ ስራሕ ንክዕወት ንዝተሳተፉ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፣ ብሙሉእ ወለንታ ንዝተሳፉ ውልቀ ሴክተር አመስጊኖም።

ሕፅረት ደው መበሊ መኪና ኣዲስ ኣበባ ዝቐርፉ ቦታታት ፓርኪንግ ከምዝተሃነፁ እውን ተዛሪቦም።

ጉዕዞ እግሪ ዘተባብዑ መገዲታት እግረኛ ከምዝተሃነፁ እውን ገሊፆም።

እዚ ባህሊ ምክንኻንን ምምዕባልን ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኩላትና ህልዊ ንዝኾነ ሓዱሽ ፅባቐ ተኸናኸንቲ ክንከውን ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment