ስራሕቲ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ንምስራሕ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ብዘላቕነት ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ መረዳድኢ ስምምዕነት ምስ ትካል ተራድኦ ጀርመን (ጂ አይ ዜድ) ተፈሪሙ።

እቲ ሰነድ ተፈሪሙ ዘሎ ስራህቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰልሰተ ዓመታት እናተሳለጡ ዝነበሩን ብክልቱኦም ወገናት ኣድላይነቶም ተኣሚኑ ንኽቕፅል ኣብ ስምምዕነት ስለዝተበፅ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ታየ ደንደኣን ተወካሊ ጂኣይዜድ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ፒተር ፓለሽ ተፈራሪሞምዎ፡፡

ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ሰላም መንግስቲ ጀርመን ብጂኣይዜድ ኣቢሉ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ምስጋና ምቕራቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

Comments (0)
Add Comment