ስራሕቲ ህንፀት ኮንክሪት መገዲ ኣስፓልት 48 ኪሎ ሜትሮ ቱርሚ-ኦሞ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስራሕቲ ህንፀት ኮንክሪት መገዲ ኣስፓልት 48 ኪሎ ሜትሮ ቱርሚ-ኦሞ  ከምዝተዛዘመ በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

57 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መገዲ ንምዝዛም ይስራሕ ዘሎ እንትኸውን፥ ዝተረፈ ክፋል ብፅርየት ንምዝዛም በትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ።

እቲ ህንፀት ንምዝዛም ዝተሰለዐ 897 ሚሊየን ብር ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ክሽፈን ኢዩ።

ነቲ ህንፀት ራማ ኮንስትራክሽን ብዝተብሃለ ሃገራዊ ትካል ኮንስትራክሽን ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

እቲ መገዲ እንትዛዘም ኣብ ክልል ደቡብ እትርከብ ከተማ ቱርሚ ምስ ከተማ ካንጋቴን ብምርኻብ ዝነበረ ፀገም መሰረተ ልምዓት ከምዝፍታሕ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ንዝርከባ ኣናእሽቱ ከተማታት ንምዕባይ ዝህልዎ ረብሓ እወን ልዑል ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment