ስራሕቲ ህንፀት ኣብ ሓደ ማእኸል ብምዃን ክትትል ንምክያድ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየዱ ስራሕቲ ህንፀት፤ ኣብ ሓደ ማእኸል ብምዃን ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን ንምክያድ ዘኽእል ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ኮርፖሬሽ ስራሕቲ ለውጢ ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዝረኣዩ ውፅኢታት ብምምዝጋብ ከምዝኾነ፤ ኣካቢት ቦርዲ እቲ ኮርፖሬሽ ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ገሊፀን፡፡

ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ፕሮጀክትታት ብቕልጡን፣ ብፅሬትን ኣብ ዝተተሓዘሎም በጀት ኣብ ምዝዛምን ተወዳዳሪ ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡

እቲ ኮርፖሬሽ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 55 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተገበረሎም 67 ፕሮጀክትታት ብዕዙዝ ብቕዓት እናህሃነፀ ከምዝኾነ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ስርዓት እቲ ዲጂታል እቶም ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተቐመጠሎም እዋን ብዝድለ ፅሬትን ቅልጣፈን ንክስርሑ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ዝህልዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment