ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 44 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ።

እቲ ኣኼባ÷ “ንመበል 21 ክፍለ ዘበን ዝምጥን ኣፍሪካዊ ምምሃር፤ ጥንኩር ህንፀት ስርዓታት ትምህርቲ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ኩለ መዳያዊ፣ ፅሬትን ኣግባብነት ዘለዎን ተበፃሕነት ትምህርቲ ምዝርጋሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ሕብረት ኣፍሪካ ን2024 ዘዳለዎ መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክካየድ።

ኣብቲ ኣኼባ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማህማት፣ ሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ፣ ዲፕሎማሰኛታትን ኣመራርሓ ትካላት እቲ ሕብረትን ተረኺቦም።

እቲ ቤት ምኽሪ÷ ብቐንዱ ትግበራ ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ቀጠና ኣፍሪካ ንምቅልጣፍ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝተሰርሐ ስራሕ ብዝምልከት ኣብ ዝቐርብ ፀብፃብ ምይይጥ ክግበር ኢዩ።

ብፍላይ እቲ ናፃንግዲ ቀጠና ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ምትእኽኻብ እቶት፣ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ፣ ኣብ ታሪፍን ሰንሰለት ንግዲን ኣብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ከምዝመክር እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment