ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልላዊ ተጠባባቒ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምና ድሕንነትን ንምሕላው “ናይ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ቆራፅነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መበል 33 ስሩዕ ኣኼባ ሓለፍቲ ምክልኻልን ፀፅታን ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ርዋንዳ ኪጋሊ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ኣኼባ ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ድሕንነትን ንምሕላ ዘሎ ቆራፅነት ዘርኢ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብዋ ዳይሬክተር ርክባት ወፃኢን ወታደራዊ ምትሕብባርን ምክልኻል ሜጄር ጄኔራል ተሾመ ገመቹ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘተ እናተሳተፈ ይርከብ።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ንምጥንኻር ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ድሕንነት ንቀፃሊ ቅድሚት ዝቀሃቦም ጉዳያት ብዝርዝር ምርኣይን ኣብቲ ዞባ ብዘሎ እዋናዊን ወሳኒን ፀገማት ድሕንነት መፍትሒን ኣንፈትን ንምቕማጥ ፍኖተ ካርታ ክዝርጋሕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።