ስሩዕ ብዘይኮነ ፍልሰት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነበሩ 180 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስሩዕ ብዘይኮነ ፍልሰት ንምክልኻን ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምንካይን ዘኽእል መድረኽ ምልዕዓል ኣብ ከተማ መቐለ ምክያድ ጀሚሩ።

እቲ መድረኽ ስሩዕ ዘይኮነ ፍልሰት ንምክልኻልን ተመለስቲ መሊስካ ንምጥያሽን ዘኽእል ሕብረት ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሁሪያ ሊ÷ ስሩዕ ብዘይኮነ ፍልሰት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመትን መንፈቕን ካብ ሃገር ወፂኦም ዝነበሩ 180 ሺሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ክላስተር ማሕበራዊ ጉዳይን መሊስካ ምጥያሽን ጄነራል ተክላይ ኣሸብር ብግደኦም÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ፍልሰት መናእሰይን ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡

ብሱዳንን ሊቢያ ኣቢሎም ናብ ኣውሮፓ ከምኡ እውን በረኻታት ጅቡቲን የመንን ባሕሪን ብምቁራፅ  ናብ ስዑድ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ብዝገብሩዎ ጉዕዞ ዜጋታት ንፀገም እናተቓልዑ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment