ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኢትዮጵያ ተሰናዲኡ ዝተኻየደ መበል 46 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካፍ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ብምትሕልላፍ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ጉባኤ፥  ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሴፔን ኣባላት ኮሚቴ ኣፈፀምቲ ስራሕ ካፍን፣  ፕሬዚዳንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖን ዋና ፀሓፊ ፊፋ ማትያስ ግራፍስትሮምን፣ ፌዴሬሽናት ኣባል ሃገራት ካፍን ፕሬዚደንታት ቀጣናዊ ማሕበራት ኩዕሶ እግሪ ኢሉ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም።

ዓመታዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ፣ ባጀት፣ ፋይናንስ፣ ኦዲትን ዝተፈላለዩ ፀብፃባት ኮሚቴታት ካፍን ዝጠመተ ዘተ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝተገበረ ተገሊፁ ከብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment