ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሰምምዕነት ፕሪቶሪያ ጠሚቶም ኣብ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ምላሾም፥ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መሰረተ ልምዓታት ብምምላስ ህዝቢ ትግራይ ኣገልግሎት ንክረክብ ከምዝገበረ ገሊፆም።
ይኹን እንበር ሐዚ እውን ብእኹል ኩነታት ዘይተፈፀሙ ጉዳያት ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ ካብዚኦም እቲ ሓደ ተሃድሶ ነበር ተዋጋእቲ(ዲዲኣር) ኢዩ ኢሎም።
እዚ ብቐንዱ ዝጎድኦ ንህዝቢ ትግራይ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መናእሰይ ብሽም ዕጡቓት ከፍ ካብ ምባል ናብ ልምዓት ምውፋር ኣለዎም ክብሉ ገሊፆም።
በቢወርሑ ንልምዓት ምውዓል ዝነበሮ ብቢሊየን ዝቑፀር ገንዘብ ነዚ ስራሕ ምውፅኡ አወን ሓቢሮም።
ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣብ ምምላስ እውን ኣብ ራያን ፀለምቲን ፅቡቕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።
ኣብ ካልኦት ከባቢታት ግን ብዝተደለየ ለክዕ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ እዚ ዝኾነ ድማ ሰብኣዊ ስራሕን ፖለቲካን ዝሓዋውሱ ሓይሊታት ብምህላዎም ኢዩ ኢሎም።
ይኹን እንበር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተወሳኺ ኲናት ኣብ ምትራፍ ልዑል ስራሕ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝተውሃቦ ናይ ክልተ ዓመት እዋን ብምዝዛሙ ምምሕያሽ ሕጊ ዝደሊ ጉዳይ ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቲ ሕጊ እንትመሓየሽ እወን ዝነበሩ ኣፈፃፅማታት ምግምጋም ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዘኽበረ መገዲ ውሱን ለውጢ ድሕሪ ምክያዱ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ስርሑ እናካየደ ህዝቢ ንምርጫ ከምዘዳሊ ሓቢሮም።
እዚ ብዝምልከት እውን ምስ ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳርን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘተ ይግበሩ ከምዘለዉ ገሊፆም።
በዚ ከይዲ ስራሕቲ ተገምጊሞም ምቅይያር ውልቀ ሰባት ክህሊ ከምዝኽእል ሓቢሮም።