ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስምምዕነት ኣንካራ ኢትዮጵያ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ዘመዝገበትሉ ከምዝኾነ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡
እቲ ስምምዕነት ዞባዊ ምርግጋእ ከምዝፈጥር እውን ፀሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ ደስታ ዲንቃ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም፡፡
ብኻእ መዳይ ምስ ሶማሊያ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ተጠቒሞም ውሽጣዊ ሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ምንቅስቓስ ልምዓት ንምህዋኽ ዝተሃንጠዩ ሓይሊታት ክሳራ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡
ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ብዕቱብ እናተኸታተሎ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ እቶም ፀሓፊ÷ ሕዚ ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ሕጉስ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡
ብፍላይ ንሰላምን ምርግጋእን ሶማሊያ ልዑል ዋጋ ንዝኸፈለ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕነት ዋጋኡ ብዙሕ ኢዩ ኢሎም።
ብሰለሞን ይታየው