ስምምዕነት ኣንካራ ንሰላምን ምዕባለን እዚ ቀጣና ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ሕውነትን ሓበራዊ ምክብባርን ብምድራኽ ዝተኸተመ ስምምዕነት ኣንካራ ንሰላምን ምዕባለን  ቀጣና ቀርኒ ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝኾነ ተንታኒ ዓለም ለኸ ጉዳያት፣ ኣማኻሪ መራኸብቲ ሓፋሽን ፀሓፊ ጉዳያት ኣፍሪካን መኪ ኤልሞግራቢ ተዛሪቡ።

እቲ ስምምዕነት ኣብ መንጎ ክልቲአን ዝነበረ ምክራር ብምዝሕሓል ብምትሕብባር ምስራሕ ዝከኣለሉ ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝገበረ  መኪ ኤልሞግራቢ ኣረዲኡ።

ኣብቲ ቀጣና ዘለዋ ሃገራት ብታሪክ፣ ባህሊን ቋንቋን ዝራኸባ ከምዝኾና ብምግላፅ፥ ብኣደራዳሪነት ቱርኪ እተን ሃገራት ነቲ ስምምዕ ምኽታመን ታሪካዊ ዓወት ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ የሶማሊያን ሰላም እና ጸጥታ ለማጽናት የከፈለችው መስዋዕትነት ከፍተኛ መሆኑን ገልጾ፤ ሶማሊያ በአንካራው ስምምነት ወቅት ለኢትዮጵያ አበርክቶ ዕውቅና መስጠቷ ተገቢ መሆኑን አስገንዝቧል።

ሶማሊያ ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት  ኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ምሃባ ግቡእ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብኣቤል ንዋይን ወንደሰን ኣረጋኸኝን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment