ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ኢትዮ-ሶማሊላንድ ብቕንዕና ዝውሰድን ዝድገፍን ሃገራዊ ዛዕባ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ብቕንዕና ዝውሰድን ዝድገፍን ሃገራዊ ዛዕባ ከምዝኾነን ንተግባራዊነቱ ሓገዝ ከምዝገብሩን ኣባላት ሓራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም።

ሓራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቡ ምስ ኣባላቱ ተዛቲዩ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበፅሐ ሰነድ ስምምዕነት ብዝምልከት ድማ ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን መብርሂ ሂቦም።

ድሕሪ እቲ ዘተ ርኢቶኦም ንግዜኢ ዝሃቡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ÷ ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ጠሚቱ ዝተውሃበ መብርሂ ዝስምዑ ምድንጋራት ዘነፅር ኢሉ እውን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ጠጠው ንምባል ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣካቢ እቲ ሓበራዊ ቤት መኽሪ ደስታ ዲንቃ÷ “ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ጠሚቱ ዝተውሃበ ዝርዝር መብርሂ ምድንጋራት ዘነፅርን ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ብሓባር ጠጠው ንምባል ቅዋም ንመሓዝ ዝሕግዝን ኢዩ” ኢሎም።

“እቲ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ኣድላይነት በሪ ባሕሪን ንምትእስሳር ዞባዊ ልምዓትን ዝህልዎ ግደ ብግልፂ ዝተረዳእናሉ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኩለመዳይ ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ዝደሊ ስለዝኾነ÷ ብመንግስቲ ዝተጀመረ ፃዕሪ ንኽዕወት ሓገዝ ከምዝገብር እውን ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መልክዑ ተግባራዊ ንኽኸውን ብጥንቃቐ ክምራሕ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ምክትል ኣካቢ እቲ ቤት ምኽሪ መለሰ ኣለሙ ብግደኦም÷ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ማዕቐፍ ስምምዕነት ቀሪቡ ንዘተ ምቕራቡ ፓርቲታት ኣብቲ ስምምዕነት ዘለዎም ሰናይን እወንታዊን ምላሽ ንኽህቡ ከምዘኽአሎም ኣብሪሆም።

“ምክትል መራሒ ኢዜማ ኣርክቴክት ዮሐንስ መኮንን÷ እቲ መድረኽ ዘተ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ዝረኸብናሉ ኢዩ” ኢሎም።

ጉዳይ በሪ ባሕሪ ናይ ዘበናት ትምኒት ኢትዮጵያውያን ስለዝኾነ እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ኩሉ ሰናይ ትምኒት ከምዝኾነ ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment