ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ እናተፈፀመ ከምዝርከብ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ስምምዕነት ብዝተትሓዘሉ ግዘ እናተፈፀመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ወዳጅነት ‘ኲናት የኣክል፤ ሰላም ነፅንዕ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ስነ-ስርዓት ምስጋናን ኣፍልጦን ከምዝገለፁዎ፥እቲ ስምምዕነት ብዝተትሓዘሉ ትልሚ እናተፈፀመ ከምዝርከብን ዝተረፉ እውን ብዘይምምንታእ ክፍፀሙ ከምዝግባእን ገሊፆም፡፡

ካብ መዕነዋይ ኲናት ናብ ሰላማዊ ዓውዲ ንምምፃእ ንኣፍሪካዊ ፀገማት ፍሪካዊ መፍትሒ ዕዉት ንምግባር ግደኦም ንዝተዋፅ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

Comments (0)
Add Comment