ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝፃወቱ ኣባላት ዲፌንድ ኢትዮጵያ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝፃወቱ ኣባላት ዲፌንድ ኢትዮጵያ ግብረ ሓይሊ ዩኬ ኣፍሊጦም።

ኣባላት ዲፌንድ ኢትዮጵያ ግብረ ሓይሊ ዩኬ÷ ካልኣይ ዓመት በዓል ምስረተኦም ኣብ ለንደን ኤምባሲ ፌሬሪኢ ኣኽቢሮም፡፡

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ተፈሪ መለሰ÷ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ አብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ወፃኢ ልዑል ፅዕንቶ ንምፍጣር እናገበሩዎ ዝርከቡ ዝተዋደደ ፃዕሪ ንምፅዋር “ንኢትዮጵያ ነድሕን” ብዝብል ከምዝተጣየሸ ኣዘኻኺሮም፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ንኣባላት ስድራ ተጋደልቲን በቲ ኲናት ንዝተመዛበሉ ዜጋታትን ሓገዝ ካብ ምግባሩ ሓሊፉ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ፃውዒት ናይ ባዕሉ ሓገዝ ምግባሩ ተዛሪቦም፡፡

መተሓባበሪ ዲፌንድ ኢትዮጵያ ግብረ ሓይሊ ዩኬ ኣይተ ዘላለም ተሰማ ብግደኦም÷ እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ መሰረት ዘንብር ስለዝኾነ እቶም ኣባላት ተግባራዊ ንኽኸውን ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝዋፅኡ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment