ስልጣን መንግስቲ ምሓዝ ዝከኣል ብመረፃን ድምፂ ህዝቢን ጥራሕ ኢዩ – ፓርቲ ብልፅግና ቤኒሻንጉል ጉሙዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ብመግለፂ ሓደ ሓደ ተናሓናሕቲ ውድባት እንተይተደናገረን እንተይተረበሸን ስልጣን መንግስቲ ምሓዝ ዝከኣል ብመረፃን ድምፂ ህዝቢን ጥራሕ ዝተሓዝ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ኣብ ሰላም ከባቢኡ ክቃለስ ከምዝግባእ ፓርቲ ብልፅግና ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣፍሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 6ይ ሃገራዊን ክልላዊን መረፃ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ኣብ ዝተወሰና ክልላት ክካየድ ስለዘይከኣለ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ዝተረፉ ቦታታት መረፃ ንምግባር መርሃ ግብሪ ብምድላው ኣብ ዝተወሰኑ ክልላት 20 መስከረም 2014 ዓ.ም ንምክያድ ሙሉእ ምድላው እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሁ፡፡

ቦርድ መረፃ ኣብቲ ክልል መረፃ ንምግባር መርሃ ግብሪ ምድላው እናገበረ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዝተወሰኑ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት እቲ ክልል ዘውፅኡዎ መግለፂ ግቡእ ከምዘይኮነ ገሊፁ።

ብፍላይ ቦሮ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ቦዴፓ) ዘውፀኦ መግለፂ፥ “ድሕሪ 24 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ሕጋዊ መንግስቲ ኣይህሉን፤ ኣብቲ ክልል ንዝፍጠር ስርዓት ኣልቦ ተሓታቲ መንግስቲ እቲ ክልል ኢዩ” ብምባል ዘውፀኦ መግለፂ ዘይሕጋዊ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ።

መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ስልጣን መንግስቲ ምሓዝ ዝከኣል ብመረፃን ድምፂ ህዝቢን ጥራሕ ዝተሓዝ ከምዝኾነ ብምግንዛብ፤ ቦርድ መረጻ ዘውፀኦ ግዘ ሰሌዳ ብምሕላው ይኾነና ዝብሎን ዝኣመነሉን ፓርቲ ብሰላምን ዴሞክራሲያዊን መገዲ ብናፅነት ንኽርፅ እቲ ቤት ፅሕፈት መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment