ስልጠና ኣመራርሓ መንግስቲ ንኽዕወት ንዝገበሩ ኣካላት ኣፍልጦ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ማእኸላት ብዝተፈላለዩ “ከዕዳ ወደ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ስልጠና ኣመራርሓ መንግስቲ ንኽዕወት ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ስነ-ስርዓት ኣፍልጦን ምስጋናን ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ኣፍልጦን ምስጋናን ኣመራርሓታት ውዳበ ፀፅታ ሓዊሱ እቲ ስልጠና ንኽዕወት ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኢዩ እናተውሃበ ዝርከብ፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ስነ-ስርዓት ምሃብ ኣፍልጦ÷ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልላትን እቲ ፓርቲ ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment