ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ዕጡቓት ናብ ማሕበረሰቡን ተፀምቢሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ክልተ ማእኸላት ዕጥቂ ብምፍታሕ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ 640 ነበር ዕጡቓት  ናብ ማሕበረሰቦም ከምዝተፀምበሩ ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣፍሊጡ።

እቶም ሰልጠንቲ ኣብ ማእኸላት መቐለን ዕዳጋ ሓሙስን ስልጠናኦም ተኸታቲሎም ከምዝዛዘሙን ናብ ማሕበረሰቦም ክፅምበሩ ከምዝተገበረን ኣብቲ ኮሚሽን ዳይሬክተር ዲሞብላይዜሽን ሌተናል ኮሎኔል ጎሳዬ ጥላሁን ተዛሪቦም፡፡

ኣብተን ማእኸላት 1 ሺሕን 360 ነበር ዕጡቓት ኣብ ከይዲ ዲሞብላይዜሽን ከምዝርከቡ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀፃሊ ናብ ማሕበረሰቦም ከምዝፅምበሩ ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

ብመበገሲ መምርሒ ዲሞብላይዜሽንን እግሪ ምትካልን ብደቂ ኣንስትዮን ጉዱኣት ኣካልን ቅድሚት ተሂቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment