ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መድረኽ ስልጠና መውሃቢ ዓቕሚ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ፌዴራል ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

ኣመራርሓ እዋኑ ዝሓቶ ብቕዓት ኣመራርሓን ኣተሓሳስባን ከጎልብት ዝመረፆ ህዝቢ ብትግሃትን ብቕንዕናን ንኸገልግል ዝዓለመ መድረኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

እቲ መድረኽ ጥንካረታትን ፅቡቕ ኣአፈፃፅማታትን ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ዝተርኣዩ ድኽመታት ድማ ፈሊኻ ብምእራምን ህዝቢ ብዝደልዮ ብርኪ ንምግልጋል ዘኽእል ብቕዓት ኣመራርሓ ንምድንፋዕ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ካብ ፓርቲ ብልፀግና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብዝካየድ መድረኽ ስልጠና፥ ልዕሊ 320 ኣመራርሓታት ሚኒስትራትን ሚኒሰስትር ዲኤታታትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲን ምክትል ሓለፍቲን ትካላት ፌዴራል ተሳተፍቲ ክኾኑ ኢዮም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment