ስልጠና ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ሓድነት መናእሰይ ዘተኣሳስር ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስልጠና ማእኸላይ ኮሚቴ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ሓድነት መናእሰይ ዘተኣሳስር ሃገራዊ ሓድነት ዘደንፍዕን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብ 3 ክሳብ 11 መጋቢት 2015 ዓ.ም “ብዓቕሚ መናእሰይ ኩለመዳይ ምዕባለ ኢትዮጵያ ይረጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ንኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ዝወሃብ ስልጠና ኣብ ከተማ ባህርዳር ተጀሚሩ።

ፕሬዚዳንት ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና መንእሰይ ኣክሊሉ ታደሰ÷ “እቲ ስልጠና ሓድነት መናእሰይ ዘተኣሳስር ሃገራዊ ሓድነት ዘደንፍዕን ኢዩ” ኢሎም።

እቲ ሊግ ኣብ ቀፃሊ ካብ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ወፂኡ ብዲጂታል ኣሰራርሓ ከምዝምራሕ ዝሓበሩ እቶም ፕሬዚዳንት÷ እቲ ስልጠና ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ኣብ ምድንፋዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብኛዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment