“ስለ ኢትዮጵያ” ዝተሰመየ ሃገራዊ መድረኽ ኣብ ድሬዳዋ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) “ስለ ኢትዮጵያ” ብዝብል ርእሲ ዝተሰናደአ መበል ካልኣይ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሓመድ ሺዴ፣ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበልን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ፣ ሰብሙያ ኢኮኖሚን ኢሉ እውን በቢዓውዱ ዝተውፃእፅኡ ሰብሃብቲ ተሳቲፎም።

“ስለ ኢትዮጵያ ነፍሪ!”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እቲ መድረኽ፥ ኢትዮጵያ ካብ 1950 ክሳብ 1960 ጀሚራ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ዝርኢ ናይ ፎቶ ዓውደ ራእይ ዑደት ብምግባር ተጀሚሩ።

ናይ ሎሚ መድረኽ ኣብ ፍርያት ኢንዱስትሪ ኣብ ልምዓት ኢንዱስትሪ ስለዘሎ ዕድል፤ተግባሮትን ምፍትሕታትን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብኣሰናዳእነት ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ዝካየድ እቲ ሃገራዊ መድረኽ፤ኣብ 11 ከተማታት ዝካየድ እንተኸውን፤እቲ ፈላማይ ኣብ ጅግጅጋ ኣብ ቐረባ እዋን ከምዝተኻየደ ዝዝከር እዩ።

Comments (0)
Add Comment