ሴኔት ኣሜሪካ ከይዲ ክሲ ዶናልድ ትራምፕ ሕገ-መንግስታዊ ኢዩ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሴኔት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተጀመረ ከይዲ ክሲ ሕገ-መንግስታዊ ኢዩ ክብል ወሲኑ።

ጠበቓታት ትራምፕ ብግደኦም፥ ዘበን ስልጣኖም ምስተዛዘመ ክሕተቱ ኣይግባእን ብምባል ተኻቲዖም፡፡

ሴኔት ኣሜሪካ 56 44 ብዝኾነ ድምፂ ብልጫ ኢዩ እቲ ከይዲ ክሲ ንኽፅል ወሲኑ ዘሎ፡፡

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዓመፅ ኣለዓዒሎም ብዝብል ኢዮም ተኸሲሶም ዘለዉ፡፡

100 ኣባላት ኣብ ዘለዉዎ እቲ ሴኔት፥ ብሪፐብሊካናት እውን ድጋፍ ረኺቡ ኢዩ፡፡

ኣብቲ ከይዲ ዶናልድ ትራምፕ ጥፍኣተኛ ዝበሃሉ እንተኾይኖም፥ ዳግም ንፕሬዚዳንትነት ናይ ምውድዳር ዕድሎም ክስእኑ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment